ኣብ ዞባ ጅማ ኣብ ክልተ ህፃናት ቫይረስ ፖሊዮ ተራኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጅማ ኣብ ክልተ ህፃናት ቫይረስ ፖሊዮ ከምዝተረኣየ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ጣሰው ብርሃኑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ቫይረስ ኣብቲ ዞባ ወረዳታት ዶዶን ጉማይን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝኾኑ ህፃናት ከምዝተርኣየ ኢዩ።

ኣብቶም ህፃናት ምልክት ልምሰት ምርኣዩ ስዒቡ ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም እቶም መተሓባበሪ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ሕማም ፖሊዮ ንምክልኻል ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልቲታት፤ ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ 700 ሺሕ ህፃናት ክታበት ከምዝወሃብ ካብ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሙክታር ጠሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment