ኣብ ዞባ ዳዋ ልዕሊ 121 ሺሕ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ዳዋ ልዕሊ 121 ሺሕ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተገሊፁ፡፡

ኣብ ክልል ሶማሌ ዝርከባ 11 ዞባታት ብዘጋጠመ ድርቂ ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜታት ሓገዝ ይጠልቡ።

ብቐንዱ ኣብቲ ክልል ብድርቂ ካብ ሞንጎ ዝተጎድኣ ዞባታት ሓንቲ ዞባ ዳዋ እንትትከውን፥ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ 4 ወረዳታት (ሙባርክ፣ ሞያሌ፣ ቀደዱ፣ን ሁደትን) ኢዩ ድርቂ ኣጋጢሙ።

ብምኽንያት እዚ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 121 ሺሕ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ተወካሊ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳዋ ኣይተ ኣደን ኣሊ ኣደን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ድርቂ ብዘስዐቦ ጉድኣት ኣግማል ሓዊሱ 415 ሺሕ ዝኣኽላ እንስሳት ከምዝሞታ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ናብ 1ሚሊየን ዝፅግዓ እንስሳት ድማ ኣብ ኣዚዩ ዘስግእ ኩነታት ከምዝርከባ ተሓቢሩ።

ኣይተ ኣደን ኣሊ ኣደን፥ ኣብቲ ዞባ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ሰብን እንስሳትን ካብዚ ዝሓሰመ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመራኦል ከድርን ሰዓዳ ጌታቸውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment