ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምቦልቻ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምቦልቻ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብልፅግና ንምትብባዕ ዝተኻየደ ሰልፊ ኢዩ ተባሂሉ።

ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ሰልፈኛታት ካብ ንጎሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ብምውፃእ ኣብ ስታዲየም ኮምቦልቻ ብምርካብ ድሙቕ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተገሊፁ።

እቶም ሰልፈኛታት፥ “ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ፓርቲ ብልፅግናን ንድግፍ፣ ፓርቲ ብልፅግና ንህልውና ሃገርናን ንምምሕያሽ ህይወት ህዝብን ዘለዎ ራእይ ንድግፍ፣ እቲ ለውጢ ክኸብሱ ዝደሊዩ ሓይሊታት ንቃወም” ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ኢዮም ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሓፂግ ግዘ በቢዓውዱ ኣንፀባራቒ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ ጉዕዞ ለውጢ ብልፅግና ብዝተፈላለዩ ሓይሊታት ንከይተዓናቐፍ ነቒሕኻ ምሕላው፣ ኣብ ጎድኒ ፓርቲ ብልፅግናን ዶክተር ኣቢይም ደው ምባል ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዘተዓናቕፉ ሓይሊታት ውሽጢን ግዳምን ነውግዝ፣ ዘደናግሩ ኣጀንዳታት ብምኽሻፍ ዝተጀመረ ለውጢ ነቐፅል፣ ዓብዪ ጉዕዞ ለውጥና ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ክቕፅል ኢዩ ዝብሉ ጭርሖታት ከምዝነበሩ እውን ተገሊፁ።

በድጋፍ ሰልፉ ህብረተሰቡ በሃገሪቱ እየተመዘገበ ያለውን የለውጥ ተግባር የሚያደንቁ ሃሳቦች አንፀባርቋል።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment