ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ናብ ሰለስተ ጣቢያታት ወረዳ ደላንታ ዝኣተወ ሓይሊ ጁንታ ካብቲ ከባቢ ንምልቃቕ ልዑል ቃልሲ እናገበረ ከምዝኾነ ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊፁ።
ብከባቢታት ወረባቦን ተሁደሬን ሸሊኹ ኣቲዩ ዝነበረ ሓይሊ ተወቒዑ ከምዝወፅአ ዝገለፁ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ሰይድ መሓመድ፥ ኣብ ከባቢ ደላንታ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ፀላኢ ንምድምሳስ ሓይሊ ፀፅታ ብልዑል ወነ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ ኢሎም።
መናእሰይ እቲ ዞባ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ብስፍሓት ንምስላፍ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነን እቲ ጁንታ ክልል ኣምሓራ ለቒቑ ንኽወፅእን ዝግበር ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
ብከድር መሓመድ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።