ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኦፍላ ዝርከቡ ሓረስቶት ናብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ስራሕ ከም ዝተመለሱ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ኦፍላ ጣቢያ ሓያሎ ዝነብሩ ሓረስቶት ሰላም ብምንጋሱ ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላሶም ገሊፆም።

ተዓጠቕቲ ጁንታ ኣብ ውሽጢ መረበቶም ብምምሻጎም ካብ ከባቢኦም ርሒቖም ንምኻድ ተገዲዶም ምንባሮም ኣመልኪቶም።

ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ብምዝዛሙ ናብ መረበቶም ተመሊሶም እቶቶም እናኣከቡ ዝረኸብናዮም ነባሪ ኦፍላ ወረዳ ሓያሎ ዝኾኑ ቐሺ መላከ ብርሃን ከበደ ግርማይ ከምዝተዛረብዎ፥ ዕጡቓት ጁንታ ኣብ ግራ ካሕሱን ከባቢኡን ብምምሻጎም ስድረኦምን ዘለዎም ጥሪትን ሒዞም ንኽሕብኡ ተገዲዶም ነይሮም።

ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተዛዘመ ብምዃኑ ምህርቲ ኣብ ምእካብ ከምዝርከቡ ዝሓበሩ ቐሺ መልከ ብርሃን ከበደ ክካብ ኸዚ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ዘጋጠሞም ፀገም ከምዘየለ ኣፍሊጦም።

ሓረስታይ ሓሪሱን ደኺሙን ካብ ምብላዕ ወፃኢ ካልእ ዕላማ የብሉን ዝበሉ ቐሺ መላከ ብርሃን፥ እቲ ልሙድ ስራሕ ንምስራሕ ሰላም የድልይ እዩ፤ ኣፍቲ ከባቢ ሰላም ብምህላው ድማ ተሓባቢሮም እቶቶም እናኣከቡ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ኻሊእ ኣብ ስራሕ ዝረኸብናዮም ነባራይ ወረዳ ኦፍላ ጣቢያ ሓየሎም ዝኾኑ ሓረስታይ ሃይሌ ኣበራ፥ ሓረስታይ ሰሪሑ ንኽነብር ይኹን ኣፍሪዩ ንኻልኦት ንኽኽእል ሰላም የድልዮ እዩ ኢሎም።

ብሰንኪ ስእነት ሰላም ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል መረበቶም ገዲፎም ኸይዶም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይቲ ከባቢ ሰላም ብምርግጋእ ናብ ዝነበርናዮ ናብራ መሊሱና ዝበሉ እቶም ሓረስታይ፥ ምህርቶም ዋላ ሓንቲ ፀገም ከየጋጠሞም ኣብ እዋኑ ከምዝኣከቡ ገሊፆም።

ብመንግስቲ ስርዓት ደርጊ ብዝተገበረ ኲናት ኣዲኦም፣ ሓዎም፣ በዓልቲቤቶምን ብርክት ዝበለ ንብረቶም ከምዝሰኣኑ ዝሓበሩ እቶም ወሃቢ ርኢቶ፥ እቲ ኹነታት ሕማቕ በሰላ ገዲፍሎም ከምዝሓለፈን ዳግም ኣብ ኸባቢኦም ከጋጥም ከምዘይደልዩ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ዕድምኡ ኣብ ኲናት ከምዘሕለፎ ዝሓበሩ እቶም ሓረ,ስታይ እዚ ድማ ንዝተፈላለየ ፀገም ኣሳጢሕዎ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ብመንፅር ምኽባር ሕጊ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ኣግባብ ከም ዝኾነን ማናዳ ናይቲ ሓረስታይ ገልታዕታዕ ከም ዝንኪ ገሊፆም።

ሓረስታይ ሓሪሱ ዘብልዕን ንመንግስቲ ዝግብርን ከም ዝኾነ ዝተዛረቡ ኣይተ ሃይሌ፥ ብስራሕ ዝደኽሞ ከይኣኽሎስ ፅንፈኛታት ብዝፈጥርዎ ፀገም ክተዓናቐፍ የብሉን ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብሰላማዊ መገዲ ኢዱ ክህብ ከም ዘለዎን ናይቲ ጉጅለ ተዓጠቕቲ ዝኾኑ ደቂ ሓረስቶት ውን ምስ ወለዶም ኾይኖም ሓሪሶም ንኽነብሩ ምምኻሮም ግዜኢ ፀቢፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment