ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ መንግስታዊ መሓውር ዳግም ይጣየሸ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ መንግስታዊ መሓወር ዳግም ናይ ምጥያሽን ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ግዝያዊ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ሚልዮን ኣብርሃ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሚሊዮን ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፥ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ 14 ወረዳታት ዝርከባ እንትኾን ካብዚአን ኣብ 6 ወረዳታት ምምሕዳር ምጥያሽ ስራሕቲ ተኻይዱ ኣሎ። እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ከይዲ እየን።

ኣብ ከተማታት ማይጨው ፤ዓዲሽዎን መኾንን ዝነበረ ማሓውር ውን ብሓድሽ መልክዕ እናተወደበ እዩ።

ህዝቢ ባዕሉ ዝኣመነሎም ሰባት ኣመራርሓ ገይሩ እናመረፀ ከምዝኾነን ዝገለፁ ኣይተ ሚሊዮን፣ እስካብ ኸዚ ዓዲ ሽዎን ማይጨውን ናይ ባዕለን ከንቲባ ዝመረፃ እንትኾና ኣብ መኾኒ ድማ መረፃ እናተኻየደ ይርከብ ኢሎም።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሰለስቲኤን ከተማታት ሰራሕተኛታት መንግሰቲ ናብ ስራሕ ብምእታው እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም እዮም።

ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ብፅቡቕ መንፈስ ከምዝተቐበሎ ዝገለፁ እቶም ኣመሓዳሪ፣ ዓብይ ዋኒን እቲ ምምሕዳር ሕብረተሰብ ክገልገልን ክጥቅምን ከሰርሕ እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ናብ ሓደጋ ከይቃላዕ ዝተፈላለዩ ናይ ሕጊ ምኽባር ስራሕቲ ዝሰርሕን ብዝተኽኣለ መንገዲ ቀልጢፍካ መልሲ ንምሃብ ግልጋሎት ዝህባ ኩለን መሓውር መንግስቲ ናብ ስራሕ ንክኣትዋ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም።
እቲ ዘይምርግጋዕ ካብ ዝጅምር ከባቢ ሓደ ወርሒ ከምዝኾኖን እቲ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓትን ግልጋሎትን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ከቢድ እንተኾነ እውን ባዓል ሞያታት ብምትሕብባር ግልጋሎት መብራህትን ስልክን ኣብ ኩሉ ኣይተ ሚልዮን ኣብርሃ
ከተማታት ዞባ ደቡብ ናብ ዝነበሮ ኩነታት እናተመለሰ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ማሕበረሰብ እንተይሓሰቦ ናብዚ ፀገም ስለዝኣተወ ምስ ሰራዊት መከላኸሊ ብምኳን ፤ታሪካዊ ዝኾነ ስሕተት ንከይፍጠር ናይ ምግብን ካልኦት ኣድለይቲ ነገራትን ብዝተኽኣለ መጠን እናተሓባበርና እናቕረብና ንርከብ ዝበሉ ኣይተ ሚልዮን፣ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ኹናት ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ማሕበራዊ ተሳትፎ እውን ዓብይ ታሪኻዊ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም እዮም።
ትራንስፖርት ዘይምጅማር ናይ ብዕሉ ዝኾነ ኣወንታውን ኣሉታውን ፀገማት ኣለውዎ ዝበሉ ኣይተ ሚልዮን፣እቲ ሓደ ህዝቢ ከምልቡ ክዘዋወር ዘይምኽኣሉ እንትኸውን ብፅቡቕ መልክዑ ክረአ ተሎ ድማ ድሕሪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ናይ ዘረፋ ኩነታት ኣጋጢሙ ስለዝነበረ እተን ናይ መጓዓዝያ ግልጋሎት ወሃብቲ ኩለን እንተጀሚረን ንምቁፅፃር እውን ዘይካኣለሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሎም።

ብዙሕ ንብረት መንግስቲ ንብረት እዩ ተወሲዱ ዝበሉ ኣይተ ሚሊዮን፣ ዶክመንትን ንብረትን ካብ ሓደ ናብ ሓደ ከባቢ ክይዘዋወር፤ክይወሰድን ከይጠፍእን መጓዓዝያ ዘይምጅማሩ ከም ኣወንታ መልክዑ ዝወሰድናዮ ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ተወዲቡ ሕጋዊ ነገራት ምስራሕ እስካብ ዝጅመር ናይ መጓዓዝያ ፀገም ከጋጥም ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብቲ ቀበሌታት ኣመራርሓን ከንቲባን ተጣይሹ ስለዘሎ ዝተፈላለያ ትካላት ግልጋሎት ምሃብ ምስ ጀመራ ብፍላይ ድማ ናይ ትራንስፖርት ቢሮ ኣብ ቀረባ እዋን ትኹረት ብምሃብ ከምዝፈትሖም እምነት ኣለኒ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዞባ ደቡብ ቅድም ክብል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ጎዲእዎ ከምዝነበረን ኸዚ ድማ ኹናት ክመፆ እንከሎ ክልተ ኣውደምቲ(ፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን) ዝኾኑ ሓደጋታት እዮም ኣጋጢሞምዎ ዝበሉ እቶም ኣመሓዳሪ ፤ስለዚ ቀልጢፍካ ብምቁፅፃርን ብምስትኽኻልን ነቲ ማሕበረሰብ ናብ ስሩዕ መነባበሮ ንምምላስ ዓብይ ፃዕሪ እናተገበረ ምኳኑ ገሊፆም ።

ንህዝቢ ልዕሊ ኹሉ ሰላም እዩ ዘድልዮ ዝበሉ ኣይተ ሚልዮን ፣ ኹናት ዘጥፈአን ዓድታት ተሞክሮ ብምውሳድ፣ድሕሪ ኹናት ማሕበረሰብ ንምርግጋዕ ሰላም ኸባቢኡ ዘይሕሉ እንተኾይኑ ናብ ዝኸፍአ መገዲ ስለዝወስድ፤ኩሉ መንእሰይን ህዝበን ተወዲቡ ሰላሙ ከረጋጋፅ ኣለዎ ክብሉ ፀዊዖም።

ካብ ከተማ ርሒቖም ምሽጋት ሒዞም ዘለዉ ምስ መንግስቲ ዝኣክል ብዝኸፈትዎ ኹናት ኣብ ሽፍትነት ዘለዉ ሓይልታት ተስፋ እናገበርካ ናብ ፀገምን ኹናትን ክእቶ የብሉን፣ ልዕሊ ኹሉ ኣድላይ ሰላም ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ንሰላም ዋጋ ሂቡ ናብ ንቡር ናብርኡ ክምለስ ኣለዎ ፤ከምኡ ድማ ንመንግስትን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሕግዝ ከምዘለዎ ኣታሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment