ኣብ ዞባ ወላይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 11 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 5 ኣብ ዞባ ወላይታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 11 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ክሳብ ሕዚ ህይወት 11 ሰባት ከምዝሓለፈ ዘረጋገፁን ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእልን ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕገት ኮሙኒኬሽን እቲ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ምስ ምሕያል ክረምቲ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምምላእ ጋሻ ውሕጅን ጋህሲ መሬትን ዘስዕቡዎ ሓደጋ ልዑል ብምዃኑ÷ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment