ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ እንሳሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 3 ሰገናት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ እንሳሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ 3 ሰገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ሓላፊ ዋና ክፍሊ ኮሙዩኒኬሽንን ሚዲያን መምርሒ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኮማንደር ተስፋዬ ግዛቸው፥ ኣብቲ ወረዳ ጣቢያ ላም ገኖን ከባቢኡን ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሓደ ስድራቤት ደቂ 16፣ 11ን 19 ዓመት ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲን ናብ ገዝኦም እንትምለሱ ሰጠኝ ኣብ ዝተብሃለ ሩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

ብነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝተገበረ ኣለሻ ናይ ሰለስቲኦም ሰገናት ኣስከሬን ከምዝተረኸበ እውን ገሊፆም።

እቶም ኮማንድር፥ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ጥንቃቐ ንኽገብር ፀዊዖም።

ብግርማ ነሲቡ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment