ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ መሃል ሜዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቡምባ ህይወት 3 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ መሃል ሜዳ ብሓደ ውልቀ ሰብ ብዝተሸንደወ ቡምባ ህይወት 3 ሰባት ምሕላፉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ምምሕዳር ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ጥላሁን ደበበ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሓደ ኣብ ከተማ መሃል ሜዳ ቀበሌ 03 ኣብ ዝርከብ እናዳ መስተ ዝተፈፀመ ኢዩ።

በቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቡምባ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ኣካል ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ደብረ ብርሃን ተላኢኾም ሕክምና እናተገበረሎም ከም ዝርከብ እውን ገሊፆም።

እቲ ውልቀ ሰብ ካብቲ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ቡምባ ብተወሳኺ ብሽጉጥን ብጩቤን ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ጉድኣት ከብፅሕ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ፖሊስ ነቲ ተጠርጣሪ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ምክትታል እናገበረ ምዃኑ እውን እቶም ዋና ኢንስፔክተር ኣብሪሆም።

ብኣበበ የሸዋልኡል

Comments (0)
Add Comment