ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ኣጣዬ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ኣጣዬ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ።

ሌሊት ካብ ወልዲያ ናብ ኣዲስ ኣበባ 22 ሰባት ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት መመላለሲት ህዝቢ ሚኒባስ ኣብ ከተማ ኣጣዬ እንትትበፅሕ ኣብቲ ቦታ ጠጠው ኢላ ምስ ዝነበረት ኣይሱዙ ብምግጫዋ ዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ።

ኣብ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሓላፊ ሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን ኮማንደር ተስፋየ ግዛው ከምዝገለፁዎ፥ በቲ ሓደጋ 5 ሰባት ሽዑ ንሽዑ ህይቶም እንትሓልፍ፤ ኣብ ልዕሊ 12 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት በፂሑዎም።

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ እንትኸውን፥ ምናልባት ልዕሊ ዓቕሚ ምፅዓንን ቅልጣፈን ክኸውን ከምዝኽእል ኮማንደር ተስፋዬ ገሊፆም።

ብኣላዩ ገረመው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment