ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንወፍሪ ህልውና ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንወፍሪ ህልውና ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ።

ሕብረተሰብ ገንዘባዊ ሓገዝን ምድላው ስንቂን ዝገበሮ ርብርብ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ብርሃኑ ታየ ሓቲረቶም፡፡

ሕብረተሰብ ዝገበሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ዝነኣድ ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ኣመሓዳሪ፥ ክሳብ ሕዚ እውን 19 ሚሊየን ብር ሓገዝ ምእካቡ ገሊፆም፡፡

ይኹን እምበር ኢቲ ዞባ ብመንፅር ንምእካብ ዝሓዞ ትልሚ እቲ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሓገዝ ብዝድለ መጠን ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህልውና ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምምካት ህዝቢ ብንቕሓት ክሳተፍ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ክሳብ ዝድምሰስ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ዝበሉ ኣይ ብርሃኑ፥ እቲ ዞባ 600 ሚሊየን ብር ንምእካብ ተሊሙ እናሰርሐ ከምዝኾነ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment