ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም 42 ኣባላት ህወሓትን ሸኔን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ጥፍኣት ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ክሳብ ዝድምሰሱ ህዝቢ ዝጀመሮ ፃላኢ ወፍሪ ምምካትን ምቕባርን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ።

ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጎጃም እዋናዊ ወፍሪ ህልውና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መላእ ኣምሓራን ኢትዮጵያን ዘንፀላለዎ ሓደጋ ንምምካት ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምዃን ወፍሪ ህልውና እናካየደ ይርከብ ኢሉ፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ስሜነህ ኣያሌው ኣብ መግለፂኦም፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ቁፁራቱን ዝኸፈቱዎ ኲናት ንምምካት መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ክተት መበገሲ ብምግባር ህዝቢ እቲ ዞባ ናብ ግ፣ምባር ካብ ምዝማት ኣትሒዙ ሃፍቲ ኣብ ምእካብ ተሳትፎ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እቲ ዞባ ምስ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ዝዋሰን ምዃኑ ስዒቡ ካብቶም ከባቢታት ዝመፅእ ቁፃር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ትንኮያ ንምምካት ዘኽእል ሓይሊ ፀፅታ ብእኹል ኩነታት ከምዘዋፈረ ኣብሪሆም፡፡

ብዝተበረ ፍተሻ ኣብቲ ዞባ 174 ፀጉረ ልዉጣት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረ ከምዝፀንሐ እቶም ኣመሓዳሪ ተዛሪቦም፡፡

ብዝተገበረ ምርመራ እቶም 42 ብጭቡጥ ልኡኽቶ ህወሓትን ሸኔን ሒዞም ናብቲ ዞባ ምእታዎም ከምዝተረጋገፀን ኣብቶም ዝተረፉ ምርመራ ከምዝቐፀለን ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment