ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ወረዳ ቤሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 586 ሚሊየን 142 ሺሕን ዝግመት ንብረት ዓንዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ወረዳ ቤሮ ጣቢያ ሾላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 586 ሚሊየንን 142 ሺሕን ዝግመት ንብረት ዓንዩ።

እቲ ሓደጋ ትማሊ ኣጋምሸት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 840 መንበሪ ኣባይቲ፣ 547 ገዛውቲ ንግዲ፣ 37 ማሕበራት ወርቂ፣ 109 ማሽን ወርቂ ከምዝዓነዉ ኣመሓዳሪ ወረዳ ቤሮ ኣይተ ዶንቴስ ባይኬስ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ ድማ ካብ ሓደ እናዳ መስተኻኸሊ ፀጉሪ ዝተልዓለ ሓዊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብዘረያዕቆብ ያዕቆብ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment