ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ኣብ ልዕሊ 14 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ጉጂ እንትንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ 14 ኣባላት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ከም ኣገላፃ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ጎሮ ዶላ ንጥፍኣት እንትንቀሳቐስ ኢዩ ስጉምቲ ተወሲዱዎ።

ሓላፊ ከይዲ ስራሕ ምኽባር ሰላም እቲ መምርሒ ፖሊስ ዋና ሳጅን ጉተማ ሳፈዮ፥ እቲ ጉጅ ኣብቲ ከባቢ እናተዘዋወረ ጉድኣት ንከየብፅሕ ብንቕሓት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ካብቲ ጉጅለ ኣርባዕተ ክላሽን፣ ሓደ ኤም-16፣ ሓደ ናይ ኢድ ቡምባን ኣርባዕተ ዕጥቅን ተታሒዙ ኢዩ ኢሎም።

ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፣ ስሩዕ ፖሊስን ሚሊሻን ነቶም ፀረ ሰላም ሓይሊታት ንምድምሳስን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment