ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ገበናት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባል ሃጋራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ርክብ ፖሊስ ምስ ፖሊስን ምትሕብባርን ብምጥንኻሮም ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ገበናት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ከምዝተኽኣለ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

ብኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምርመራ ፖሊስ ፌደራል ምክትል ኮሚሸነር ጀነራል ዘላለም መንግስቴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቡሩንዲ ቡጁምቡራ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 48 ጉባኤ ትካል ሕብረት ኮሚቴ ቴክኒክ ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ፡፡

እቲ ጉባኤ÷ “ግብረ ራዕዲን ብብርኪ ዓለም ለኸ ዝተወደቡ ገበናትን ኣብ ምቅላስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ንምጥንኻር ዓቕሚ ፖሊስ እቲ ዞባ ምጥቃም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ኣብቲ ጉባኤ ከምዝገለፁዎ÷ ርክብን ምትሕብባርን ፖሊስ ምስ ፖሊስ ኣባል ሃገራት ንምጥንኻርን ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ንምክልኻን ንምቁፅፃርን ውፅኢታዊ ተግባራት ተወጊኖም፡፡

በዚ ድማ ግብረ ራዕዲ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ገንዘብ፣ መዕወኒ ሓሽሽን ጦር መሳርሒን ብምክልኻል ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment