ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምምብራቕ ጎጃም ወረዳ ኣባወል ብዘጋተመ ሓደጋ ውሕጅ ኣባላት ሓደ ስድራ ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ህይት ቀጢፉ።
ኣብታ ወረዳ ዝነብሩ መራሒ ስድራን በዓልቲ ቤቶምን ውላዶምን ኣብ ስራሕ ውዒሎም እንትምለሱ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሩባ ብውሕጅ ብምምልኡ ንምስጋር እንትፍትኑ በቲ ውሕጅ ከምዝተወሰዱ ተገሊፁ።
ብምኽንያ እዚ ድማ ኣባላት ሓደ ስድራቤት ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ዜጋታት ክረምቲ ስዒቡ ዝፍጠር ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅ ብጥንቃቐ ምሕላፍ ከምዝግበእ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com