ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ፋንቱ ተስፋዬ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ሓለፍቲ ስራሕ ጎረባብቲ ዞባታት እቲ ምምሕዳር ዞባን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ዓፋር ተረኺቦም።

እቲ ኮንፈረንስ ምስ ህዝቢ ጎረባብቲ ምምሕዳር እቲ ብሄረሰብ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር፣ በቲ ኲናት ዝበፅሐ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣት ንምፍላጥ፣ ኣብ ወፍሪ ህልውና ታሪኽ ዝፈፀሙ ኣካላት ኣፍልጦ ንመሃብን ህዝቢ ልምዓቱ ኣጠናኺ ንኽቕፅል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ጉድኣት ናይቲ ኲናት ዘርኢ ፎቶ ኤግዚቪሽንን ካልኦት ምድላዋትን ንምርኢት ከምዝቐረቡ ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment