ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከብ ዝራእቲ ጣፍ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦን ደብረብርሃንን ዝርከብ ዝራእቲ ጣፍ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዘሎ ማእከል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ገሊፁ።

እቲ ማእኸል፥ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዝሓሸ ኣማራፂ ኣዝርእቲን ካልኦትን ብቐሊሉ ንምርካብ ውፅኢት ንምርግጋፅ ልዑል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ነዚ ድማ ኣክሱማዊትን ማይጥዑምን ዝብሃሉ ዓሌታት ጣፍ ብምርምር ከምዘፍረየ ኣፍሊጡ።

ኣክሱማዊት ዓሌት ጣፍ አብ 2012 ዓ/ም ምርምሩ ተወዲኡ ብብርኪ ሃገር ኣፍልጦ ዝተውሃቦ እንትኸውን፥ ናብ ሓረስቶት ከምዝተኣታተወ ተሓቢሩ።

ማይጥዑም ዝብሃል ዓሌት ጣፍ ድማ ኣብ ኣብ 2016 ዓ/ም ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦን ንቐፃሊ ናብ ሓረስቶት ከምዝተኣታቶን ተገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment