ኣብ ዞባ ማእኸለ ጎንደር ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸለ ጎንደር ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዝተቀበሉ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ተመሊሶም።

መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ዝዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝርከቡ ዕጡቓት ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ምስ ምምሕዳራት ወረዳን ጣቢያን ከመኡ እውን ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዛቲዮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ወረዳታት ምዕራብ በለሳ፣ ማክሰኝትን ዙርያ ጎንደር ዝርከቡ ቁፅሮም ልዕሊ 177 ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ከምዝተመለሱ ኣዛዚ እቲ ክፍለ ጦር ተዛሪቦም።

እቶም ኣዛዚ ኩሉ ግዘ ንፀገማት ካብ ኲናት ብልዝብን ዲፕሎማሲያዊ መገዲታትን ምፍታሕ ክቕድም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ካልኦት ኣብ በረኻታት ዝርከቡ ጉጅለ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ክምለሱ ይግባእ ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ናብ ሰላማዊ ህይወት ዝተመለሱ ዕጡቓት ብግደኦም÷ “ዝነበርናዮ መገዲ ጥፍኣት ማሕበረሰብና ዝበለፀ ዝጎድእ ሰላምና ዘናግዕ ብምዃኑ፤ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ናብ ህዝብና ተፀምቢርና” ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment