ኣብ ዞባ መተከል 120 ሽፍታታት ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል 120 ሽፍታታት ኣብቲ ዞባ ንዝተጣየሸ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኢዶም ሂቦም።

ተወካሊ ሓላፊ ወፍሪ ሕብረት እዚ ሰሜን ኮሎኔል ፋሲል ይግዛው፥ እቶም ሽፍታታት ብናይ ሓሶት ወረ ዝኸሰረ ጁንታ ህወሓት ጫካ ኣቲዮም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

እቲ ኣማራፂ ስሕተት ከምዝኾነ ፈሊጦም ብሰለማዊ መገዲ ኢዶም ምሃቦም ዝድገፍ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰላምን ልምዓትን ግደኦም ክፃወቱ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

እቶም ሸፋቱ ኢዶም ንክህቡ፥ ዓበይቲ ዓዲ፣ ዋና መምርሒ መረዳእታ ሳረዊት ምክልኻል ሃገርን ብሔራዊ መረዳእታን ደሕንነት አገልግሎት ብሓባር ብምዃን ከምዝሰርሑ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment