ኣብ ዞባ መተከል ይውሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዕጡቓት ሓይሊታት ኢዶም ይህቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከልል ቤኒሻንጉል ጉመዝ ዞባ መተከል ይውሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ዕጡቓት ሓይሊታት ኢዶም ይህቡ ከምዘለዉ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ኣፍሊጡ።

ነቲ ምኽባር ሕጊን ዓውዲ ፀፅታን ዝመርሑ ሌተናል ጀኔራል አስራት ዴኔሮ÷ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ኣት ዞባ መተከል ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ቡለንን በቆጂን ዜጋታት ብምቕታል፣ ነብረት ናይ ምዝራፍን ምቅፃልን ኣረሜንያዊ ተግባር ከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።

ዝተጠናኸረ ወፍሪ ብምክያድ ኣብቲ ከባቢ ሕጊ ብምኽባር ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ብዙሓት ዕጡቓት ኢዶም ይህቡ ኣለዉ ኢሎም።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ቅድም ኢሉ ዝፈፀሞም መጥቃዕቲታት ስዒቡ ብምስግኦም መንበሪኦም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ይምለሱ መዘለዉ እውን ገሊፆም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምርካቡ ስግኣት ተፈጢሩሎም ዝነበሩ ከባቢታት ብምርግጋዕ ናብ ዝሓሸ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ይምለሱ ኣለዎም ኢሎም።

ብመዓርግ ሚኒስትር ኣተሓባበሪ ማእኸል ሀንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን መራሒ ፖለቲካን ህዝባዊ ዘተን ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ በግደኦም፥ እቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምምራሕን ብምትሕብባርን ዝተጠርጠሩን እቲ መጥቃዕቲ መክልኻል እናተገበኦም ሓላፍነቶም ዘይተዋፅኡን ኣመራርሓታት ሕጋዊን ፖለቲካዊን ስጉምቲ የውሰድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment