ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር 247 ዕጡቓት ጉህዴን ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር 247 ዕጡቓት ጉህዴን ኢዶም ከምዝሃቡ ኮማንድ ፖስት ወረዳ ዳንጉር ኣፍሊጡ።

ኣብታ ወረዳ ሉእኽቶ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተቐቢሎም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 247 ዕጡቓት ጉህዴን ንሓይሊታት ፀፅታ ብሰላማዊ መገዲ ኢድ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ሎሚ መዓልቲ 57 ሸፋቱ ምስዕጥቆም ከምዝኣተዉ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት እታ ወረዳ ሻለቃ ደምስ ዳኔ ገሊፆም።

ሰላም እታ ወረዳ ብዘላቕነት ንምፍታሕን ድሕንት ህዝቢ ንምሕላውን ኣባላት ፀፅታ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ሻለቃ ደምስ፥ እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ብሰላማዊ መገዲ ኢድ ንኽህቡ ካብ ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰላም ሓሊፉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕጊ ንምኽባር እንትበሃል እናተወሰደ ብዘሎ ስራሕቲ ኦፕሬሽን ተገዲዶም እውን ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑ ምግላፆ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment