ኣብ ዞባ መተከል እናሰልጠኑ ዝነበሩ ኣባላት ሚሊሻ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ዞባ መተከል ንምምላስ እናሰልጠኑ ዝነበሩ 265 ኣባልት ሚሊሻ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም።

ምክትል ኣዛዚ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ክፍለ ጦር ኮሎኔል መልካሙ በየነ፥ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌዴራልን ኣቢሉ ሕብረተሰብ ባዕሉ ንኽከላኸልን ሓይሊታት ፀረ ሰላምን ናብ ሕጊ ኣሕሊፉ ንኽህብን ኣድላዪ ወታደራዊ ስልጠና ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ከንቲባ ከተማ ግልገል በለስ ኣይተ ሃብታሙ ውቧታ ብግደኦም፥ “ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዞባና ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገም ሰላም ከየጋጥም ኩልና ብቆራፅነት ብምቅላስ ስራሕቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ዘፈፅሙ ሓይሊታታት ፀረሰላም ክነጥፍኦም ኣለና” ኢሎም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምክትል ኣፈ ጉባኤ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ወይዘሮ ኣለምነሽ ይባስ፣ ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ መተከል ኣይተ ፀሃይ ጉዮ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን መኮንናት ጦርን ከምዝተረኸቡ ካብ ፌስ ቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment