ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝካየድ ምርጫ ምቹው ኩነታት ፀፅታ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ወርሒ መስከረም ነዝካየድ ምርጫ ምቹው ኩነታት ፀፅታ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ናይ መተከል ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኮማንድ ፖስት ዋና ኣካቢ ሌተናል ጄኔራል አስራት ዴኔሮ፥ ኣብ ወርሒ መስከረም ንዝካየድ ምርጫ ምቹው ኩነታት ፀፅታ ንምፍጣር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ዝተፈላለዩ ቅድመ ኩነታት ይዳላዉ ከምዘለዉ ኢዮም ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ፀገም ፀፅታ ምኽኒያት ተፈናቒሎም ዝነበሩ ለዕሊ 58 ሺሕ ነበርቲ ነናብ ወረደኦም ምትእኽኻብ ምኽኣሉ መረፃ ኣብ ከባቢኦም ንክመርፁ ዝሕግዝ ኢዩ ምባሎም ካብ መከላከያ ሰራዊት ዝረከብብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment