ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ካብ ዝነበሩ ዕጡቓት እቶም 17 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ካብ ዝነበሩ ዕጡቓት እቶም 17 ብምትሕብባር ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ መምርሒ ፀረ ሽምቅን ፍሉይ ሓለዋ በታኒ ኣድማን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ድሕሪ ለውጢ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ንእኩይ ዕላማ ዝተሰለፉ ዕጡቓት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት እናቐጠሉ፣ እናፈናቐሉን ንብረት እናዘረፉን ፀኒሖም ኢዮም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፥ ምስ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝተመሳጠሩ ኣመራርሓታት እቲ ክልል ብቐጥታ ይኹ ብተዘዋዋሪ ኢዶም ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኢዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ መተከል ወረዳታት ቡለንን በቆጂን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝተፈፀመ ዘስካሕኽሕ መቕጠልቲ እውን ናይዞም ኣካላት ዝተቐነባበረ ሽርሒ ምዃኑ ተበፂሑዎ ኣሎ።

መምርሒ ፀረ ሽምቅን ፍሉይ ሓለዋ በታኒ ኣድማን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ተዋዲዱ ገበነኛታት እናሃደነ ይርከብ።

ኣዛዚ እቲ መምርሒ ኮማንደር ዶሳ ጎሹ ንግዜኢ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ክልል ምስቲ ግብረ ሃይሊ ብምውዳድ ዝተዓጠቑ ሓይሊታትን ኣብቲ ቅትለጥ አዶም ኣለዎ ዝተብሃሉን ገበነኛታት ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናውዓለ ይርከብ።

ኣብቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ድማ ብዙሓት ሸፋቱ ኢዶም እናሃቡን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉን ከምዝርከቡ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ብዝገበሮ ወፍሪ ካብ ወረዳታት ዳንጉር፣ ድባጠየ፣ ቡለንን ማንዱራን፥ መጥቃዕቲ ካብ ዘብፅሑ ዕጡቓት 17 ኣባላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም እውን ኣፍሊጦም።

ምስቶም ዝተትሓዙ ዕጡቓት ድማ ልዕሊ ብር 29 ሺሕ ዋጋ ዘለዎም በዓል 5፣ 10፣ 50ን 100 ሞባይል ካርድታት፣ 290 ቀስቲታት፣ መድሓኒታትን ካልኦት ኣቑሑትን ተታሒዞም።

እቶም ጉጅለ ዕጡቓት ዩኒፎርም ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ክልል ቤኒንሻንጉልን ተኸዲኖም ጥቕዓት ከምዝፈፀሙ ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ ዕጡቓት ናይ ምህዳን ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment