ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ምሕላፉ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተ መለሰ በየነ ኣፍሊጦም።

በቲ ዝተፈፀመ ኢሰብኣዊ ተግባር ህይወት ሰብ ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ናውቲን ከምዘጋጠመ እውን ገሊፆም።

መጠን እቲ ጉድኣት እናተፃረየ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እነውትኸውን፥ ብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ንብረት ከምዝዓነወን ካብቲ ከባቢ ዝበፅሖም ሓበሬታ ከምዘመላኽት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

መንግስቲ እቲ ክልል፥ ብሓፈሻ ዝበፅሐ ጉድኣት ሓበሬታታት ብምፅራይ ንሕብረተሰብ ከምዘብፅሕ እውን ኣፍሊጦም።

ብቕድሚ ትማሊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝነበረ ዘተ፥ መጥቃዕቲታት ንመወዳእታ ግዜ ጠጠው ምባል ይግባእ ዝብል ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ዘለዎም ኣመራርሓታት ይኹኑ ዝኾነ ይኹን ኣካል ስጉምቲ እናተወሰደሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ፌዴራልን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ስጉምቲ ይወስዱ ኣለዉ  ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ በዚ ስጉምቲ ድማ ብዙሓት ከምዝተደምሰሱ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment