ኣብ ዞባ መተከል ንፁሃት ዜጋታት ንኽቕተሉ ብምትሕብባርን ብምምራሕን ዝተጠርጠሩ 504 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ንፁሃት ዜጋታት ንኽቕተሉ ብምትሕብባርን ብምምራሕን ዝተጠርጠሩ 504 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳራት ክልላት ኣምሓራን ቤኒንሻንጉል ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ናይ ሓባር መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብቲ ክልል ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ መበገሲኡ ብዙሕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ትሕዝቶ መሬትን ለውጢ ስዒቡ ዝኾረዩ ኣካላት ፀረ ሰላም ሓይሊታት ዝፈጠሩዎ ምንቅስቓስን እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ኢዮም ኢሎም።

ኣቶ ኣሻድሊ ሓሰን፥ “ብድሕሪት እቲ ዝፍፀም መቕተልቲ ናይ ህወሓት ኢድ ከምዘለዎ ኣረጋጊፅ ኢና” ኢሎም።

ህወሓት፥ እቲ ተግባር ንምፍፃም መናእሰይ ብምልማልን ብኢንቨስትመንት ዝኣተዉ ሰብሃፍቲን ተጠቒሙ እቶም ፀገማት ንኽበኣበኣሱ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ሰላም እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ጥፍኣተኛታት ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባርን ኣፈፃፅማ ኣብቲ ክልል ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምዃን ከምዝገምገሙ እውን ተዛሪቦም።

ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻ ኣብቲ ከባቢ ዝዓረዱ ጉጅለ ዕጡቓትን ሸፋቱን ንምድምሳስ እናሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

ድሕንነት ዜጋታት ንምሕላው ምስ ውዳበ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ ሓበራዊ ስራሕቲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ነባርነቶም ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ስለዝኾነ መንግስቲ እቲ ክልልል ድሕንነቶም ክሕልወሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብሃይለሚካኤል ዴቢሳ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment