ኣብ ዞባ መተከል ስምምዕነት ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዳንጉር ኣብ ኣርባዕተ ጣቢያታት እናተንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ስምምዕነት ዕርቀ ሰላም ተኻይዱ።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሓላፊ ስነ ልቦና ክፍሊ ሜካናይዝድ ሻለቃ መስፍን ኣስራት÷ መንግስቲ ዝሃቦ ኣማራፂ ሰላም ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም÷ ንምዕባለን ሓድነትን ሃገር ዓብዪ ዋጋ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ዳንጉር ፓርሻዊ ዑስማን ብግደኦም÷ ብሓይሊታት ፀፅታ ዝተረኸበ ዘላቒ ሰላም ብምሕላው ንዘላቒ ልምዓት ዝውደብ ኣፍራዪ ሓይሊ እናፈጠርካ ምቕፃል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment