ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኦሮሚያን ኣባላት ሚሊሻ አባላት ብምውዳድ ኣብቲ ክልል ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዝተኻየ ናይ ምጥቃዕ ወፍሪ ብዙሓት ኣባላት ኦነግ ሸኔ ከምዝተደምሰሱን 10 ሓገዝቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ከምኡ እውን እቶም ግብረ ራዕዳውያን እናተጠቐሙሉ ዝነበሩ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝተትሓዘ ተፈሊጡ፡፡

ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾነ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ወረዳ ጮመን ቀበሌታት ፈጫሰ፣ ኣየለ፣ ችንቦን ካልኦትን ንብረት ህዝቢ ብምዕናው፣ ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ብምጥፋእን መገዲ ብምዕፃው ሕብረተሰብ ንምንግልታዕን ስቓይን ከምዝዳርግ ተሓቢሩ፡፡

ህዝቢ ንሓይሊ ፀፅታ ብዝገበሮ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣረመኔያዊ ተግባሩ ድሕሪ ምፍፃም ናብ ዝተሓብአሉ ቦታ ብምኻድ ሓይሊ ፀፅታ ተዋዲዱ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ክድምሰስ ከምዝኸኣለ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment