ኣብ ዞበ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ተተሓሒዙ 7 ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዞበ መተከል ምስ ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ተተሓሒዙ ሸውዓት ዝኾኑ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮማንድ ፖሰት፥ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝተፈጠረ ፀግም ተተሃሒዙ ኢዶም ኣለዎ ብዝብል ዝጠርጠሮም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተጀመረ ተግባር ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ከመዝቕፅል እውን ኣዛዚ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ኮሎኔል ኣያሌው በየነ ተዛሪቦም።

እቲ ዞባ ናብ ዝነበሮ ሰላም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ብፅቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ቀሪቡ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ነቲ ዞባ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፤ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣተኛታት ዝወስዶ ስጉምቲ 42 ሓይሊታት ፀረ ሰላም ከምዝተደምሰሱ ኮሎኔል ኣያሌው ገሊፆም።

ኣብቲ ዞባ ወረዳ ቡለን ጣቢያ ኩጅ ብሓሊታት ፀረ ሰላም ዝተኸፈተ ተኹሲ፥ 100 ንፁሃን ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ብዝበፅሐ ሞይትን ዕንወት ንብረትን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘሎ ኮይኑ ትኽክለኛ ምፅራይ ሓበሬታ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከል በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ምግላፁ ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ መተከል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ትማሊ ዝተፈፀመ ተግባር፥ ነቲ ብሄረሰብ ዘይውክሉን ለውጢ ዘይደልዩን ሸፋቱ ጉሙዝ ዝፈፀሙዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment