ኣብ ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣብ ሽቶ ክንበፅሕ ቀሪብና ኣለና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣብ ሽቶ ክንበፅሕ ቀሪብና ኣለና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝርከቡ ኩታ ገጠም ሕርሻ ስርናይ ተዓዚቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ኣብ ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ኣብ ሽቶ ክንበፅሕ ቀሪብና ኣለና” ኢሎም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳታት ዱግዳን ቦራን ፍርያት ሕርሻ ኩታ ገጠም ስርናይ ዝተዓዘቡዎ ንጥፈት ኣዚዩ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾ እውን ገሊፆም፡፡

ዞባ ምብራቕ ሸዋ ጥራሕ 7 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ተሊሙ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሕርሻ ብምዝማን ዝለዓለ ውፅኢት ክምዝገብ ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment