ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝርከብ ፈታዊ ሰላም ኢትዮጵያዊ መንግስቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ይዋፅእዎ ዘለዉ ሞራላዊን ሕጋዊን ግቡኦም ንክሕግዝ  ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝርከብ ፈታዊ ሰላም ኢትዮጵያዊ መንግስቲን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምምካት ይዋፅእዎ ዘለዉ ሞራላዊን ሕጋዊ ግቡኦም ንክሕግዝ ዓለም ለኸ ጥምረት ትሓለቕቲ ኢትዮጵያውያን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ፤ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስን ካናዳን ዝርከቡ 16 ማህበራት ኢትዮጵያውያን ዝሓዘ እቲ ጥምረት ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብቲ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክሳለጥ ብምሕሳብ በይናዊ ቶክሲ ጠጠው ምባሉ ዝነበሮ ረብሓ ዘርዚሩ፡፡

መንግስቲ እዚ ብምግባሩ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ኽኢሉ እዩ ክብል እቲ ጥምረት ኣፍሊጡ፡፡

ይኹን ዳኣንበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲ ፌደራል ብዝገበሮ ልክዕ ክግዛኡ እናተገበኦ ብኣንፃሩ እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዘውዐሎ ኣብሪሁ፡፡

ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ቀረባ ማዕልቲ መቐለ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ትካል ምግቢ ዓለም  570 ሺሕ ሊትሮ  ነዳዲ  ምዝራፉ ዝሓበረ እቲ  መግለፂ ፡፡

ህወሓት ህፃውንቲ ኣገዲዱ ንኩናት ብምምልማልን ማዕበል ህዝቢ ተጠቒሙ ዜጋታት ይዳጉን ምህላዉ እቲ ጥምረት ኾኒኑ፡፡

ከም ስድራ ሓገዝ ንምርካብ ተናኣሰ ሓደ ሰብ ናብ ኩናት ንክፅንበር ብምግዳድ ይፍፅሞ ዘሎ ገበን ኩናት ከምዝቃወም እዩ መግለፂ እቲ ጥምረት ዘፍለጦ፡፡

እቲ ጥምረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝኸዶም ክያዶታት ንኢዱ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኡ ነቲ ፃዕሪ ንክድግፍ ሓቲቱ፡፡

ህወሓት ናብ  ሰላማዊ ዝርርብ ንክመፅእ እውን ድፍኢት ንክገብሩ  ኣታሓሳሲቡ፡፡

እቲ ጥምረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጎንፂ ብሰላም ንክዛዘምን ግዝኣት ሓድነትን ሉኣላውነት  እዛ ሃገር  ንምሕላው ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment