ኣብ ዝተፈላዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ስደተኛታት ዝተጠናኸረ ድጋፍ የድሊ – ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ውሕመ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ላዕዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውሕመ ፍሊፖ ግራንዴ ተዛቲዮም።

ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፣ ኣወሃህባ ድጋፍን ምምሕዳር ካምፕ ስደተኛታትን ብዝምልከት ሓሳባት ተለዋዊጦም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኣንፃር ንዝተፈላዩ ፀገማት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ብቕርበት ምስራሕ ይግባእ” ክብሉ ኣይተ ደመቀ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝተፈላዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ስደተኛታት ዝተጠናኸረ ድጋፍ ከምዘድሊ እውን  ኣይተ ደመቀ መኮነን ምግላፆም ካብ በት ፅሕፈቶም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment