ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት መድረኽ ዘተ ምሁራን ይሳለጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣርሲ፣ ሰላሌን ደብረ ብርሃን “ግደ ምሁራን ንህንፀት ሃገር” ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ምሁራን ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርሲ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዘተ ዕላምኡ÷ ከም ሃገር ዘለዉ ዓቕሚታት ፀንቂቕካ ንምጥቃምን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዉ ዝተሓላለኹ ፀገማትን ንምፍታሕ ምሁራን ብሞየኦም መፍትሒ ንኸተኣላልሹ ምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ቶላ በሪሶ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝተረኸቡ ለውጢታት ንተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣቕሪቦም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ንክልተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ እውን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መድረኽ ዘተ እናተሳለጠ እንትኸውን÷ ኮሚሽነር ሲቪል ዘሰርቪስ ከምኡ እውን ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ መኩሪያ ሃይሌ መበገሲ ዝኸውን ሰነድ ኣቕሪቦም ይዝተየሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃን እውን “ግደ ምሁራን ኣብ ህንፀት ሃገር” ብዝብል ርእሲ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ መምህራንን ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ብርሃንን ሚኒስትር ፍትሒን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ እቲ መዛተዪ ሰነድ ንዘተ ኣቕሪቦም፡፡

ዕላማ እቲ ዘተ÷ ምሁራን ስራሕቲ ምርምር ብምስራሕ፣ ወቐሳታት ብምቅራብን ናይ መፍትሒ ኣንፈታት ብምሕባርን አብ ህንፀት ሃገር ናይ ባዕሎም ግደ ከበርክቱ ምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብኦሊያድ በዳኔን ዮናታን ብርሃኑን፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ሰላሌን ደብረ ብርሃንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment