ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ፅባሕ ቀዳም ክካየድ ኢዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ዝቃወምን ሓቂ ኢትዮጵያ ዝድግፍን ሰልፊ ፅባሕ 13 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ዝካየድ ከምዝካየድ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ህዝባዊ ሰልፊ “ንኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኢየ ድምፀይ ከስምዕ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ክካየድ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኢድ ኣእታውነትን ፅዕንቶን ዐለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላው ከምዝተዛዘመ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ፡፡

ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ እውን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽቲአን ከተማታት ዞባ ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ጨንፈር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment