ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ብብርኪ ሃገር ለኸ “ንኢትዮጵያ ነገልግል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 1 ጳጉሜን እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣብ ክልል ህዝታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ሲዳማ፣ ክልል ሃረሪ፣ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ።
ኣብ ክልል ህዝታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ÷ እቲ መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ክልል ኣብ ከተማ ቦንጋ መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ “ዘለና ዓብዪ ሓላፍነት ብምርዳእን ብዝኣተናዮ ቃልን መሰረት ብምግባር ባህሊ ኣገልጋላይነት ክነጎልብት ይግባእ” ኢሎም።
ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኸበረ በዓል÷ ስምዒት ወገናዊነት ህዝቢ ብምልባስ ግልጋሎት መንግስቲን ህዝቢን ምሃብ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣገንዚቦም።
ኣብ ክልል ሃረሪ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኦርዲን በድሪ መዓልቲ ኣገልጋላይነት ምኽንያት ብምግባር ካብ ወጋሕታ 12 ሰዓት ጀሚሮም ዝተፈላለዩ ተግባራት ኣሳሊጦም፡፡
ኣብ ክልል ሲዳማን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን እውን ብተመሳሳሊ÷ እቲ ዕለት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com