ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙወን ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ መፍትሒ ከተኣላልሽ ኢዩ — ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙወን ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ መፍትሒ ከምዘተኣላልሽ ቀዳማይ ሚኒሰትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓረብ ምስ ዝተውፃእፃኣ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ አቡዳቢ ተዛትዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ብዘይስሩዕ መገዲ ካብ ሃገር ተሰዲዶም መዕረፊኦም ኣብ መዓስከራት ዝኾኑ፣ ብደለልቲን ብመስራሕቶምን በደል ዝበፅሖም ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥሙወን ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ምስ ናይተን ሃገራት መንግስታት ብምስራሕ መፍትሒ ከምዘተኣላልሽ እውን ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ባህሬን ንዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ከምዝኽፈትን ፍቓድ መንበሪ ዘይብለን ንኽወሃበን ዘተ ከምዝብሩን ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ ዘኽእል ዕድል ዘይብለንን ናብ ሃገረን ክምለሳ ዝደልያን ድማ መንግስቲ ከምዝምልሰን ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደአን፥ ብዘይስሩዕ መንገዲ ካብ ሃገር ናይ ዝወፅኣ ስደተጋታት ናብ ፀገም ዘእትዉወን ደለልቲ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂ ኣኒስትዮ ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዘለወን ፃንሒት ውፅኢታዊ ዝኾና ደቂ ኣኒስቲዮ እውን ከምዝተሳተፋ ተገሊፁ።

ከምኡ እውን 53 ሰነድ ኣልባን ኣብ ኤምባሲ ኣዕቚበን ዘለዋ ደቂ ኣንስቲዮን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺበን።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment