ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ 150 ሚለየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ህንፀት ዘበናዊ ላቦራቶሪታት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ 150 ሚለየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ህንፀት ዘበናዊ ላብራቶሪታትን መዕበዪ ዓቕሚን ከምዝካየድ ኢንስቲትት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቶም ላብራቶሪታትን መዕበዪ ዓቕሚን፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝን ልቓሕን ዝስርሑ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ዝህነፁ ላብራቶሪታት ዘበነዎትን ደረጀኦም ዝሓለዉን ስለዝኾኑ፥ ካብ ኢትጵያ ሓሊፎም ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ዓቕሚ ኣለዎም ተባሂሉ።

ኣተገባብራ እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ቀንዲ መርሃ ግብሪታት ዝተኸፋፈለ እንትኸውን፥ ኣብቲ ቀዳማይ መርሃ ግብሪ ሓፈሻዊ ዓቕሚ ህንፀት ስራሕቲ ላብራቶሪታት ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ስዘለዝኾነ ድማ ሳልሳይ ብርኪ ብሔራዊ ላብራቶሪ ባዮ ሴፍቲ ሪፈረንስ (BSL3) ኣብ ቀፅሪ እቲ ኢንስቲትዩት ዝህነፅ እንትኸውን፥ እቲ ላብራቶሪ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትጵያ ዘየለን ብዓቕሚ ኾነ ብዓይነት ሓዱሽ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ 15 ላቦራቶሪታት ሪፈረንስ ኣብ ክልላት ንምህናፅን እቶም ላብራቶሪታት ብመሳርሒ ናይ ምምላእን ስራሕቲ ክስራሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሸሞንተ ላብራቶሪታት ህንፀት ዓቕሚን ብመሳርሒታት ናይ ምዝማን ስራሕቲን ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ህንፀት እቶም ላብራቶሪታት ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዝወስዱ እንትኾኑ፥ ኣብ ክልላት ዝህነፁ ላብራቶሪታት ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘሙ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment