ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ እታ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

ፖሊስ እታ ክልል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንዓመታት ዝተፅዓኖ ኣርዑት ስቓይ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ”ሰላም ንኹሉ፣ ኩሉ ንሰላም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ከምዘካየደ ኣብሪሁ፡፡

ንዓመታት እቲ ክልል ብናይ ባዕሉ አለኹ በሃልቲ ፅንፈኛ ሓይሊታት ምኽንያት ብዘስካሕኽ ህይወት ንኽጓዓዝ፣ ክዝረፍ፣ ክመዛበልን ክስደድን ከምዝተገበረ ሓቢሩ፡፡

እዚ ኣርዑት መከራ ዝተሸከመ ህዝቢ እቲ ክልል ካውንስል ሰላም ክሳብ ምውካል ዝበፅሐ “ሰላመይ መልሱለይ” ሕጡኡ ካብ ዝጅምር ከምዝፀንሐ ሓቢሩ፡፡

ይኹን እምበር ፅንፈኛ ሓይሊ ንሕቶ ሰላም ሕብረተሰብ ንደሓር ብምባል ዝራእቲ ካብ ምቅፃል ጀሚሩ ንባህሊን ልምዲን ህዝቢ እቲ ክልል ዘይገልፅ፣ ንእዋኑ ዘይምጥንን መነወሪ ተግባርን ከምዝፈፀመ ኣዘኻኺሩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ንተግባራት እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ተኻይዱ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment