ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ህዝባዊ ዘተ ይካየዱ ኣሎዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ህዝባዊ ዘተ ይካየዱ ኣሎዉ።

ኣብቲ ዘተ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ውሱንነታትን ዘተ ተገይሩ።

ኣብ ኣክሱምን ዓድዋን ከተማታት ይግበሩ ኣብ ዘለዉ ዘተታት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ናብተን ከተማታት ምስ ኣተወ ሰላምን ፀፅታን፣ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕርቦት፣ ናይ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ከምኡውን ተመሳሰልቲ ርእሰ ጉዳያት ብዝምልከት ተዘቲዩ።

ኣብቲ ዘተ ኲናት ሕማቕ ብምዃኑ ዝሓለፉ ፀገማት ክድገሙ ከምዘይብሎም ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ሰላም ናይ ትግራይ ህዝቢ ቀዳሚ ምርጫ ምዃኑ ተዘሪቡ።

ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ተመሳሳሊ ስነ ልቦናዊ ሓሳብን ድልየትን ምህላዉ ከምኡውን ናይ መሰረተ ልምዓትን ምምሕዳርን ይጣየሸልና ዝብሉ ሓሳባት ምልዓሎም ተገሊፁ።

ኣብ መሰረተ ልምዓት ስርቂ እናተፈፀመ ናይ ኣገልግሎት ምትእጉጓል ብምፍጣሩ ትኹረት ንክረክብ እቲ ሕብረተሰብ ሓቲቱ።

ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንክጠናኸሩ አውን እቶም ተዛተይቲ ሓቲቶም።

እቲ ናይ ሰላም ስምምዕነት እቶም ከተማታት ናብ ቀደም ኩነታቶም ንምምላስን ንምልማዕን ተስፋ ዝሰነቐ ኢዩ ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ ዝተጀመሩ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።

ንዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ ኩሎም መዳርግቲ ኣወንታዊ ግደ ክጫወቱ ከምዝግባእ አገንዚቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ለይኩን ዓለምን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment