ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ህይወት ሰባት ከይቀጥፍ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግባእ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ህይወት ሰባት ከይቀጥፍ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድርቅን ብዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝመለሱሉ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድርቂ ከምዘጋጠመ ብምሕባር፤ ይኹን እምበር እቲ ድርቂ ንፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ፃዕሪ ግቡእ ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ህይወት ሰባት ከይቐጥፍ ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ድርቂ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝዓበየ ብፅሒት መንግስሪ ከምዝሕዞ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “መንግስቲ ድርቂ ንምክልኻል ልዕሊ 14 ቢሊዮን ብር ወፃእ ብምግባር ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ገይሩ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ፕሮጀክታት ብምዕፃፍ እውን እንተኾነ እቲ ድርቂ ኣብ ህይወት ዜጋታት ጉድኣት ከየብፅሕ ልዑል ስራሕ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment