ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተመሪቖም።

ኣብ ከተማ ሸገር ክፍላተ ከተማታት ገፈርሳ ጉጄ፣ ቡራዩን መልካ ኖኖን ዝተሃነፁ እቶም ፕሮጀክትታት ሎሚ ተመሪቖም።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ኣፈ ጉባኤ ክልል ኦሮሚያ ሰዓዳ ዓብዱራህማን፣ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ተሾመ ኣዱኛ (ዶ/ር) ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኢሉ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ተመሪቖም።

ነቶም ፕሮጀክትታት፥ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቅርንጫፍ ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል  ፍቃዱ ተሰማ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረሙዎም።

Comments (0)
Add Comment