ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ንዝርከቡ ወገናት ድጋፍ ንኽግበር ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተመዛቢሎም ንዝርከቡ ወገናት ድጋፍ ንኽግበር ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፀዊዑ።

ፕሬዝዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ሃገር ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ÷ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፈጠረ ኵናት ንኸይፍጠር ኣቦታት ሃይማኖትን ሽማግለታትን ብዙሕ ከምዝፀዓሩ እውን ኣዘኻኺሮም።

በምኽንያት እዚ ኵናት ህይወት ወድሰብ ሓሊፉ፤ ብዙሓት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለው ኢሎም።

ትካላት ሃይማኖትን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ከምዝዓነው እውን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ኢትዮጵያውያን ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝከኣሎም ሓገዝ ምግባሮም ብምሕባር÷ በዚ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ሃገር እናመዝገበቶ ትርከብ ዓወት ብምሕባር፤ ዓወት ኣብ ዝተረኸበሎም ከባብታት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ስለዝምለሱ ዘላቒ መጣየሺ የድልዮም ከምዘድልዮም ኣገንዚቦም።

ነዚ ድማ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኮሚቴ  ብምውዳብ ስራሕቲ ምእላይ መጠን ጉድኣት እናሰርሐ ምዃኑ ዝሓበሩ ተቐዳሚ ሙፍቲ፥  ቑፅሪ ሒሳብ ባንኪ ከምዝተኸፈተን ኢትዮጵያውያን ንኽተሓባበሩን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ እውን ካብ ከባቢታት ወለጋ ንዝተመዛበሉ ወገናት ዝውዕል እዩ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment