ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልል ዓፋር መሊስካ ህንፀት መስመር ኤሌክትሪክ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝፀንሑ ወረዳታት ክልል ዓፋር ተጠቀምቲ ንምግባር ፅገና መስመር ኤሌክትሪክ፣ መሊስካ ህንፀትን ስራሕቲ ዝርገሐ ሓዱሽ መስመርን ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክልል ዓፋር ገሊፁ፡፡

በቲ ፅገና 52 ነጥቢ 36 ኪሎ ሜትሮ ትሑት መስመር፣ 120 ነጥቢ 35 ኪሎ ሜትሮ ማእኸላይ መስመርን ስራሕቲ ምትካል 21 ትራንስፎርመራትን ተሳሊጡ፡፡

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምኽንያት ዝተዘረፈ ጣቢያ ተንቀሳቓሲ መከፋፈሊ ሓይሊ÷ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝነበሩ ወረዳታት ጭፍራ፣ እዋ፣ ከልዋን ኣውራን እናተሃነፀ ዝርከብ ተለዋጢ መከፋፈሊ ጣቢያ እንትዝዛም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝረኽባ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ  ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment