ኣብ ዝተወሰኑ ኣቕሑት ዝተነበረ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ባንኪ ተሳዒሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሙሉእ ብሙሉእ ብነዳዲ ዝሰርሓ ኣብ ታሪፍ መፅሐፍ ዓንቀፅ 87.03 ዝምደባ ሙሉ ብሙሉእ ተገጣጢመን ኣብ ዝቐረባ ኣውቶሞቢል ገዛን በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲን ዝተነበረ እገዳ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝተረፉ ኣቑሑት ዝተነበረ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስመመሓየሺኡ ከምዝተሰዓረ ተገሊፁ፡፡

መንግስቲ ብቁፅሪ ክሂገ 1/7/252 ብዕለት 04/02/2015 ኣብ ዝተመሓላለፈ ውሳነን ብቑፅሪ ታፖመ/ፖ/29/16 ብዕለት 28/6/2016 ኣብ ዝተመሓሸን ዝተወሰኑ ናውቲታት ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ባንኪ ክንበር ምግባሩ ይዝከር፡፡

ብምዃኑ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ብነዳዲ ዝሰርሓ ኣብ ታሪፍ መፅሐፍ ዓንቀፅ 87.03 ዝምደባ ሙሉ ብሙሉእ ተገጣጢመን ኣብ ዝቐረባ ኣውቶሞቢል ገዛን በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲን ዝተነበረ እገዳ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝተረፉ ናውቲ ዝተነበረ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስመመሓየሺኡ ካብ 21 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝተሰዓረ ሚኒሰስቴር ገንዘብ ገሊፁ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment