ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዝፍጠር ዛሕሊ ኣየር ሃፍቲ ማይ ንምውሳኽ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ከምዝኽእል ኤጀንሲ ብሄራዊ ሚቲዮሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤጀንሲ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ትምበያ ኩነታት ኣየር ከምዘሕብሮ ኣብ ዝቅፅል ወርሒ ዝፍጠር ዝሑል ኩነታት ኣየር ተፋሰስቲ ንኽውስኹ ኣስተዋፅኦ ይሃልዎ እምበር ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝፍጠር ከቢድ ዝናብ ኣብ ገደል ከባቢታት ምግህማስ መሬትን ሓደጋ ውሕጅን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ፡፡
ነዚ ድማ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ኢሉ፡፡
ስለዝኾነ ድማ እዋናዊ መጠን ዛሕሊ ብስሩዕ ክረኽቡ ዝጀመሩ ተፋሰሳት ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝሐሸ ኩነታት ዛሕሊ ክህልዎም ከምዝኽእል ተምቢዩ፡፡
ተፈሰሳት ሰሜንን ምብራቕን እውን ተመሳሳሊ ፀባይ ኣየር ከምዝህልዎም ተንቢዩ ኣሎ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መብዛሕተኦም ተፋሰሳት ኣባይ፣ ባሮ ኣኮቦ፣ ተከዘ፣ ሓጓ ሽንጥሮቆ፣ ኦሞጊቤ ከምኡ እውን ኣዋሽ ልዑልን ኣዚዩ ልዑልን ዛሕሊ ኩነታት ኣየር ትፅት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ዝተወሰኑ ንሓደጋ ውሕጅ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ድማ ሃንደበታዊ ውሕጅ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ ዝበለ እቲ ኤጀንሲ፥ ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቐ ክስርሑ ከምዝግባእ ኣጠንቂቑ፡፡
ብኣፈወርቅ እያዩ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።