ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ጉስጢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ ክብል ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንቃ፣ ፕሬዚዳንት ኮንፌደሬሽን ጉስጢት ኣፍሪካ እያሱ ወሰንን ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮንፈዴሬሽን ጉስጢት ኣሊሳን ነቲ ዛዕባ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ሻምፒዮና 17 ነሓሰ 2024 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ኣብ መብርሂኦም ሓቢሮም።

እቲ ሻምፒዮና ዓውዲ ቱሪዝም፣ ባህሊ፣ ኢኮኖሚን ወዘተ ንምንቕቃሕ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣብቲ ኮንፈዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment