ኣብ ዝቕፅል እዋን ፅድያ ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል ብሄራዊ ኤጀንሲ ሜቴሮሎጂ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝቕፅል እዋን ፅድያ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ኢትዮጵያ ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል ብሄራዊ ኤጀንሲ ሜቴሮሎጂ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ርክብ ህዝቢ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ኣህነዲን ኣብዱል ከሪም፥ ኣብ መብዛሕትኡ ዝናብ ተጠቃሚ ከባቢ ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ዝናብ ከምዝፅ ገሊፆም፡፡

ነዚ ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝውሰድ ድማ ዝቕፅል እዋን ፅድያ ኣብ ውቅያኖስ ትሮፒካል ፓስፊክ ትሕቲ ስሩዕ ዛሕሊ ምርኣዩን ሰሜናዊ ህንዲ ውቅያኖስ ምስ ስሩዕ ኣየር ፀባይ ተቐራራቢ ኣብ ዝኾነ ፅዕንቶ ክፀንሕ ከምዝኽእል ትፅት ስለዝግበር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ብፍላይ ዝናብ ፅዲያ ካልኣይ እዋን ዝናብ ተጠቀምቲ ንዝኾኑ ከባቢታት ሰሜን ብራቕ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፅዕንቶ ደረቕ ፀባይ ኣየር ክፀንሑ ከምዝኽእሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ ፅዲያ ቀንዲ እዋን ዝናቦም ዝኾኑ ከባቢታት ደቡብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡

ፍርቂ ምዕራባዊ ከባቢ ኢትዮጵያ ድማ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ከምኡ እውን ደጉዓ ከባቢታት ማእኻላይን ደቡብን ናብ ስሩዕ ዘዘምበለ ዝናብ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ኣብቲ ትንበያ ተመልኪቱ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment