ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ኣብ እስያ፣ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምይይጥ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እስያ፣ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝቕፅል ሰንበት 14 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ምይይጥ ከምዝግበር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ብመርበብ ሓበሬታ ዝካየድ እንትኸውን÷ ብኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ ካብ ንጉሆ ከባቢ ሰዓት 4፡00 (ብኣቆፃፅራ እቶም ከባቢታት 10 ኤ ኤም ወይ ድማ ኣት ጂ ኤም ቲ ፕላስ 3) ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝደልዩ ስዒቡ ብዘሎ ሊንክ https://forms.gle/CsNpWm7pLm4tjdoYA ንኽምዝገቡ እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ምዝገባ ንዘካየዱ ኣካላት ድማ ብኢሜይል ኣድራሻኦም ኣቢሉ ናይ ዝእከቡሉ ሊንክ ከምዝለኣኸሎም ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment