ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ 1 ነጥቢ 5 ንዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተተሊሙ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ 1 ነጥቢ 5 ንዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተተሊለመ ሚኒስተር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመትን ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመትን ዘፈር ኮንስትራክሽን ዘተተኮረ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ኣብቲ ዓውዲ ብትልሚ ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ተግባራት ኣብ ዝቕፅ ሓሙሽተ ዓማውቲ 80 ሚኢታዊ እታወታት ኮንስትራክሽን ብእታወታት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ፣ ኣብቲ ዓውዲ 1 ነጥቢ 5 ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገም ፅሬት ህንፀት ምፍታሕ፣ ዝብሉ ናይ ዳህሳስ መፅናዕቲ ተኻይዶም።

ናይ ወፃኢ ሃገራት ተቛረፅቲ፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከቡ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ከምኡ እውን ኣብ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ዝተወደቡ ተቛረፅቲ ብምስታፍ ተረባሕቲ ምግባሮም ምርግጋፅ ኣካል እቲ ትልሚ ከምዝኾነ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸበውናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘፈር ኮንስትራክሽን 25 ሚኢታዊ ሸርፊ ወፃኢ ዝግበርሉን ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን በጀት ካፒታል ዝወስድ ስለዝኾነ፥ ውፅኢት መሰረት ዝገበረ ትልሚ ክምራሕ ከምዝግበኦ ኣብቲ እዋን ዘተ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እናተሃነፁ ዝርከቡ ፕሮጀክታት መብዛሕተኦም ብናይ ወፃኢ ሃገር ተቛረፅቲ ዝተትሓዙ ብምዃኖም፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተወዳደርቲ ተቛረፅቲ ምፍራይ ከምዘይተኸኣለ እውን ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment